Greenways in Tigrinya

ሲያትል መርበብ (ኔትዎርክ)  neighborhood greenways ኣብ ምፍጣር ትርከብ። Neighborhood greenways ንኣኻትኩም፡ ንቤተሰብኩምን ንጐረባብትኹምን ውሑሳት፡ ህዱኣት መንበሪ ጎደናታት እዮም። ኣብቲ ጎደናታት ኣብ ርእሲ እቲ ትሑት ድምጽን ፍጥነትን ተሽከርከርቲ፡ greenway (ወይ’ውን ቀጠሊያ ጎደና) ነዚ ዚስዕብ ኪገብር ይኽእል፥

  • ውሕስነት የመሓይሽ
  • ሰባት ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ኣብ ዘለዎም ጎደናታት ኪሳገሩ ይሕግዝ
  • ተሽከርከርቲ ካብ ዋና ጎደና ማሕዲገን ብውሽጢ ውሽጢ መስመራት ናይቲ ገዛውቲ ኪኸዳ ኣየተባብዕን
  • ናይ መንበሪ ባህርያት ናይቲ ገዛውቲ ይዕቅብ
  • ትሑት ፍጥነት ተሽከርከርቲ ኪህልው ይከታተል
  • ሰባት ኪኸድዎ ናብ ዚደልይዎ ቦታታት ከም መናፈሻታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ድኳናትን ሬስቶራንትታትን የብጽሕ

Neighborhood greenways መስመር ብሽክለታ ዘየካትቱ ኪኾኑ ከለዉ፡ ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው ኣብ ልዕሊ ዚብላ መካይን ዜስዕቦ ጽልዋ እንተ ሃልዩ ኣዝዩ ትሑት እዩ። መብዛሕትኦም በቲ ናይ ትሻዓተ ዓመት መውሃቢ ድምጺ ዝጸደቐ Bridging the Gap ይምወሉ። ኤስ ዲ ኦ ቲ  ንኣታቶም ዚምልከት ሓያለ ጠለባት ተቐቢሉ ኣሎ። ብርግጽ፡ ሓያለ ተቐማጦ ናብ ገዛውቶም ኪመጹ ኪሕግዞም መታን Seattle Neighborhood Greenways ኪመርጹ ብምጅማሮም ኣዝዮም ሕጕሳት እዮም።

Current Projects

Recently Completed Projects

ሰብ ብሽክለታ

ውሑስ ዝመችአ ጎደና

ነበርቲ

ህዱእ ጎደናን ተወሰኽቲ ማሕበረሰባትን

ኣውቲስታታት

ውሑስ፡ ዝሃድአን ተገመትቲን ጎደናታት

ኣጋር ተጐዓዝቲ

ውሑሳት መሳገርታትን ጥጡሓት ማርቻፔደታትን

መብርሂ

ብጽቡቕ መሰረት ዝጀመሩ Neighborhood greenways ዓቢ ለውጢ ዜምጽኡ ንኣሽቱ ምምሕያሻት ይገብሩ። ነፍስ-ወከፍ ገዛውቲ ፍሉይ’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣበየ-ቦታታት እንጥቀመሎም ዝውቱራት ባእታታት greenway ኣለዉ።

  1. መጠን ፍጥነት ናብ 20 ማይል ኣብ ሰዓት ምቕያር
  2. ኣብ ነፍስ-ወከፍ ህንጻ ብውሑዱ ሓደ መነከዪ ፍጥነት ምውሳኽ
  3. ሰባት መንገዶም ከይስሕቱ መታን፡ ምልክታትን ናይ ኣጋር-መንገደኛ ምልክታትን ምግባር
  4. ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ኣብ ዘለዎ መስቀለኛ ጽርግያታት፡ ገለ ናይ ጥርዚ መንገድታት መቐጸልታ፡ ውልዕ ጥፍእ ዚብሉ ብርሃናት፡ መሳገሪ ኣጋር፡ ናይ ማእከል ማርቻፔደታት፡ ወይ ምልክታት ትራፊክ ምምላእ
  5. ኣብ መሳገሪ ጎደናታት greenway ደው መበሊ ምልክታት ምግባር
  6. መንገዲ ኣጋርን ጎደናታትን ምጥጣሕን ናይ ጥርዚ መንገዲ መነከዪ ናህሪ ምግባርን

children with balloons

መምርሒኣጠቓቕማ  Neighborhood Greenways

ኣጋር መንገደኛታት

  • ንዅሎም ምልክታት ትራፊክን ካልኦት ምልክታትን ተማእዘዙ።
  • ኣብ greenwayንምጽናሕ፡ምልክታትተኸተሉ።

ሰብ ብሽክለታ

  • ንዅሎም ምልክታት ትራፊክን ካልኦት ምልክታትን ተማእዘዙ።
  • መሰል ንዚግብኦም ኣጋር መንገደኛታትን ሰብ ሞተር ተሽከርከርትን ቀዳምነት ሃቡ።
  • ኣ ብመስቀለኛ ጎደናታት ብትንቃቐ ተንቀሳቐሱ።
  • ኣብ greenway ንምጽናሕ ንምልክታት መስመር ብሽክለታ ተኸተሉ።

ሰብ ብሽክለታ

  • ንኣጋር መንገደኛታትን ሰብ ብሽክለታን ኣስተብህሉሎም።
  • ንዅሎም ምልክታት ትራፊክን ካልኦት ምልክታትን ተማእዘዙ።
  • ካብ ዋና መስመር ተሽከርከርቲ ኣብ እትወጹሉ ጊዜ፡ መኻይንኩም ቅድሚ ምንቅስቓስኩም፡ ወትሩ ንድሕሪት፡ ንየማንን ንጸጋምን ጠምቱ።
  • መስቀለኛ ጎደናታት ኣብ እተቋርጹሉ እዋን፡ ናህሪ ነክዩ።
  • ብመስመር ምልክታት ብሽክለታ ደሓን እዩ።
  • ኣብ ብሽክለታ ተወጢሑ ንዘሎ ሰብ፡ ብውሑስ ፍጥነትን እናስዕብካ ብውሑዱ ናይ ሰለስተ ጫማ ርሕቀትን ምስ ዚህልው ጥራይ ቀድም።
  • ማዕጾ ማኪናኻ ኣብ እትኸፍተሉ ጊዜ ተጠንቀቕ። ወትሩ ብእግሪ ንዚጐዓዙ ወይ ኣብ ብሽክለታ ንእተወጥሑ ሰባት ፈለማ ተመልከት።

Image of children riding bicycles

 

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.