ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now)
አማርኛ • 简体中文 • 繁体字 • 日本語 • 한국어 • Oromiffa • af-Soomaali • Español • Tagalog • ትግርኛ • Tiếng việt • English
ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ቫውቸራት እንታይ እዮም?
ኣብ ዘድለየካ ሰዓት ተበጻሓይ ዝኾነ፣ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝቐርብን ሪጋ ምሓዝ ዘየድልዮን ናይ መጎዓዚያ አገልግሎት ርኸብ።
ዕድመኦም 65+ ዝኾኖም፣ ስንክልና ዘለዎም ሰባት፣ ከምኡድማ ምስ ናይ ብቑዕነት ሮቛሒታት ዘማልኡ ዝጎዓዙ ሓብሐብቲ ኣብ የለው ካብ (Yellow Cab)፣ ኡበር (Uber)፣ ወይ ልይፍት (Lyft) ናይ መጎዓዚያ አገልግሎት ክጥቀሙሎም ዝኽእሉዎም ኣብ ወርሒ ክሳብ 6 ናጻ ነናይ $20 ቫውቸራት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ካብን ናብን ናይ ትራንዚት ጣብያታት ከም ኣውቶቡስ ጠጠው መበሊታትን ናይ ቀሊል ባቡር መራኸቢታትን ዝበሉ፣ ወይ ናብ'ቶም ብናይ ትራንዚት አገልግሎታት ዘይሽፈኑ፣ ከም ፓርክታትን ናይ ኣዝማድ ገዛውቲን ዝበሉ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ቦታታትን ንምጉዓዝ ይጥቀሙሎም። እዞም ናይ $20 ቫውቸራት ንመብዛሕቲኦም ክሳብ 3 ማይላት ዝንውሓቶም ጉዕዞታት ክሽፍኑ ኣለዎም። ኩሎም ዝግበሩ ጉዕዞታት ኣብ ውሽጢ ወሰናት ከተማ ሲያትል ክጅምሩ ወይ ክውድኡ ኣለዎም።
ብሰንኪ እቲ ዘሎ ልዑል ጠለብ፣ እዚ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ዝተሰመየ ናይ ፈተነ መደብ ክሳብ ሰነ 2022 ክናዋሕ ተገይሩ ኣሎ። እቶም ኣብ'ዚ መደብ እዚ ተሳተፍቲ ንምዃን ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ኣብ'ዚ ግልጋሎት እዚ ተሳተፍቲ ዝኾኑሉ ናይ ወረቐት ወይ ድማ ዲጂታላዊ ቫውቸራት ክቕበሉ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም። ሕድሕድ ዝተሓተተት ቫውቸር ኣብ መወዳእታ ነፍስ ወከፍ ወርሒ (መጋቢት፣ ሚያዝያ፣ ግንቦት ን ሰነን 2022) ኣገልግሎታ ከብቅዕ እዩ፣ ካብ'ዚ ብተወሳኺ ሓደሸቲ ቫውቸራት ክሳብ ሰነ 3፡ 2022 ኣብ ዘሎ ክሕተት ይከኣል እዩ። ናይ ጉዕዞ (Ride) ቫውቸራት ድሕሪ ሰነ 30፡ 2022 ተቐባልነት ኣይክህልወንን እዩ። እተን ቫውቸራት እቲ ኣቐርቦት ክሳብ ዘይተቛረጸ እየን ክቐርባ ዝኽእላ።
ብዛዕባ መደብ ሕጂ ተጎዓዝን (Ride Now) ብዛዕባ እዚ ብሕቶ ዝቐርብ ግልጋሎት መጎዓዚያ ንዓኻ ወይ ንካሊእ ትፈልጦ ሰብ ዝህቦ ደገፍ ዝምልከት በቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ብኽብረትካ ናብ (206) 684-7623 (ROAD) ደውለልና ወይ ድማ ናብ RideNow@seattle.gov ኢሜይል ለኣኸልና። ናይ ትርጉም አገልግሎታት ካብ ክፍሊት ናጻ ክቐርቡ እዮም።
ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቅጥዒ ብምምላእ ወይ ኣብ (206) 684-ROAD [7623] ብምድዋል እቶም ናይ ፈለማኻ ዝኾኑ ቫውቸራት ክወሃቡኻ ሕተት። ቀረባት ክሳብ ዘለዉ ቫውቸራት ክርከቡ ይኽእሉ እዮም።
A vendor contracted by the City of Seattle processes the information you provide here and may use third party tools to communicate, where our Privacy Policy doesn't apply. We recommend that you check the vendor's privacy policy for details about information collection and use.
ኣየኖት ናይ መጎዓዚያ ኣገልግሎት ኣቕረብቲ እዮም ነዞም ቫውቸራት ዝቕበሉ?
ቫውቸራት ኣብ'ቶም ኣብ ታሕቲ ተገሊጾም ዘለዉ ናይ መጎዓዚያ ኣገልግሎት ኣቕረብቲ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ እንከለዉ ብዋጋ ቕነሳ ክተኣናገዱ እዮም ወይ ድማ ሙሉእ ወጻኢ መጎዓዚያ ክሽፍኑ እዮም።
ነቶም ቫውቸራትካ ብኸመይ ከምእትጥቀመሎም
1ይ ስጉምቲ፡ መኪና ጸውዕ
- ካብ'ዞም ዝስዕቡ መገዲታት ብሓዲኦም ተጠቒምካ መኪና ጸውዕ፡
- ቁጽሪ ስልኪ: ናብ (206) 622-6500 ብምድዋል የለው ካብ ጸውዕ።
- ናይ ስማርትፎን ኣፕሊኬሽን፡ በቲ ኣብ ስማርትፎንካ ዝርከብ ኣፕሊኬሽኖም ተጠቒምካ የለው ካብ፣ ኡበር ወይ ሊፍት ክመጹልካ ኣዝዝ።
- ኮምፒውተር፡ በቲ ኣብ ኮምፒውተርካ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታኦም ኣቢልካ ኡበር ወይ ሊፍት ክመጹልካ ኣዝዝ።
- እቲ ዝጸዋዕካዮ መኪና መዓስ ኣብ'ቲ ዘለኻዮ ቦታ ከምዝበጽሕ ዝገልጽ ሓበሬታ ክበጽሓካ እዩ፣ ካብ'ዚ ብተወሳኺ ንስኻ ትደልዮም ዝተፈለዩ መሳለጥያታት ነቲ ናይ መኪና ገናሒ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
2ይ ስጉምቲ፡ እቲ ተሽከርካሪ ብስዓቱ ናብ'ቲ ዘለኻዮ ቦታ ይበጽሕ
- እቲ ክመጸልካ ዝኣዘዝካዮ ብጫ ታክሲ፣ ኡበር ወይ ሊፍት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጻንሒት ማለት እውን ካብ ዝጽዋዕ ኣብ ውሽጢ 10-30 ደቓይቕ ኣብ'ቲ ዘለኻዮ ቦታ ክበጽሕ እዩ።
- እተን ናይ ኡበር ወይ ናይ ልይፍት ተሽከርከርቲ፣ እንተ ዘይተገሊጹ፣ መብዛሕቲኡ ግዜ ናይ ሴዳን (በዓል ኣርባዕተ በር) ተሽከርከርቲ እየን።
- የለው ካብ ነቶም ጠለብ ዘቕርቡ ተጎዓዝቲ ብዊልቸር ክድየባ ዝኽእላ መኻይን ከቕርብ ይኽእል እዩ።
3ይ ስጉምቲ፡ ካብ'ቲ መኪና ምውራድ ካብኡ ሒሳብ ምኽፋል
- እቲ ገናሒ ኣብ'ቲ ነዓኻ ዝቐርበካ ጣብያ ትራንዚት ወይ ኣብ ካሊእ ኣብ'ቲ ከባቢ ዝርከብ ዝቐርበካ ቦታ ከብጸሐካ እዩ።
- ኣብ'ቲ ናይ ጉዕዞ ዋጋ ቅነሳ ክግበረልካ ምእንታን ነቲ ናይ ወረቐት ወይ ዲጂታል ቫውቸር ተጠቐም።
- እቲ ናይ $20 ናይ ጉዕዞ ቫውቸር ንመብዛሕቲኦም ርሕቀቶም ክሳብ 3 ማይላት ዝኾኑ ጉዕዞታት ናጻ ወይ ኣዝዮም ብዝተቐነሰ ዋጋ ንክኾኑ ንምግባር ዝተሓሰበ እዩ።
- ዝኾነ ዝተርፍ ሒሳብ እንተሎ ክፈል። ነቶም ብየለው ካብ ዝግበሩ ጉዕዞታት እቲ ክፍሊት ብጥረ ገንዘብ ወይ ክሬዲት/ዴቢት ካርድ ክግበር ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ሊፍት ወይ ኡበር ዝግበሩ ጉዕዞታት ተረፍ ናይ ክፍሊት ሒሳባት በ'ቲ ናይ ስማርት ስልኪ መተግበሪ ፋይል ኣቢልካ ብክሬዲት ወይ ዴቢት ካርድ እዮም ክክፈሉ ዘለዎም።
- ብኽብረትካ ነቲ ናይ መኪና ገናሒኻ ሞቕሹሽ ክትህብ ከመዘለካ ኣይትረስዕ!
- ነቶም ናይ የለው ካብ፡ ኣብ'ቲ ናይ ወረቐት ቫውቸር ካብ ዝተርፍ ሒሳብ ሞቕሹሽ ንምሃብ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል እዩ ወይ ነቲ ሞቕሹሽ ብጥረ ገንዘብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።
- ንልይፍት ወይ ድማ ኡበር ፡ ነቶም ናይ መኪና ገናሕቲ ዝወሃብ ሞቕሹሽ በ'ቲ ናይ ስማርት ስልኪ መተግበሪ ተጠቒምካ በቲ ኣብ ክሬዲት ወይ ድማ ዴቢት ካርድ ፋይል ጌርካ ክወሃብ ይከኣል እዩ። ዲጂታል ቫውቸራት ኣብ ናይ ኡበር ወይ ልይፍት ሞቕሹሽ ንምሃብ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ኣይክእሉን እዮም።
4ይ ስጉምቲ፡ ግብረ መልሲ/ርኢቶ ሃብ (ነተባብዐካ)
እንተደኣ ነዞም ናይ ሓባር ጉዕዞ (rideshare) ኣገልግሎታት ወይ ብዛዕባ እቶም ቫውቸራት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ደሊኻ፣ ተወሳኺ ኣብ SDOT Blog ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ካልኦት ናይ መጎዓዚያ መደባት
ነዚ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ዝተሰመዬ ናይ ፈተነ መደብ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ምወላ ካብ Transit Planning 4 All ዝተብሃለ ነቶም ስንክልና ዘለዎምን ብዕድመኦም ዝደፉኡን ሰባት ኣብ ከይዲ ምውጻእ መደብ መጎዓዚያ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ዘኽእሉ ዝተመረጹ ተሞክሮታት ኣብ ምንዳይን ምፍላጥን ዝነጥፍ ብሄራዊ ናይ መጎዓዚያ መደብ ምውጻእ ፕሮጀክት እዩ።
ከም ኣካል እቲ ናይ 2018-2019 ትራንዚት Planning 4 All ግራንቲ ኮሆርት፣ Hopelink (King County, WA) ካብ'ቶም ኣብ'ቲ ናይ ገንዘብ ምወላ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ካብ ሆፕሊንክን (Hopelink) ናይ ኪንግ ካውንቲ ናይ ምንቅስቓስ ማሕበራትን ዝተረኸቡ ዉህሉላት ተሞክሮታት ዝሓዘ፡ ንኹሉ ዘጠቓልልን ናይ መደብ ምውጻእ መሳርሕታትን (Inclusive Planning Toolkit) ዝፈጠረ እዩ። ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ነዚ ናይ ፈተነ መደብ ኣብ ዘማዕብለሉ ግዜ ንኩሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ መደብ ምውጻእ መሳርሒታትን ምንጪታትን ብዝግባእ ኣብ ጥቕሚ እውዒሉዎ እዩ።
ሆፕሊንክ ንኹሉ ዘጠቓልል ናይ መደብ ምውጻእ መሳርሕታትን ምንጪታትን (Hopelink's Inclusive Planning Toolkit) ኣብዚክትረኸቦ ትኽእል ኢኻ።