ንደሕንነቱ ዝተሓለወ መንገዲ ቤት ትምህርቲ ትንታነ ዘርኣዊ ፍትሒ

ናይ ዘርኣዊ ፍትሒ ራእይ

ራእይና ናይ ስያትል ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ መዓልቶም እዞም ዝስዕቡ ሓዊሱ ናይ ምጉዕዛን ብሽክለታ ምዝዋርን ጥቕሚ ብምርካብ መዓልቶም ንኽጅምሩ:

  • ክዘናግዑ
  • ድሕንነቶም ከም ዝተሓለወ ክስመዖም
  • ምስ ማሕበረሰቦም ዘለዎም ርክብ ምጥንኻር
  • ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርሲ ሰዓት እንተየርፈዱ በጺሖም ንኽመሃሩ ድልዋት ይኾኑ
  • ዝተመሓየሸ ኣካላዉን ኣእምሯዉን ጥዕና

ስያትል ዘርኣዉነት ኣብ ምቅላስን ፍትሓዊ ከተማ ኣብ ምህናጽ ዝገብሮ ጻዕሪ ንምሕጋዝ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ጉጅለታት ዝርከቡ ተምሃሮ ነተኮር፤ ናይ ከለር ማሕበረኮም፣ ትሑት እቶት ዘለዎም ማሕበረኮም፣ ስደተኛታትን ዑቕባ ሓተትን ማሕበረኮም፣ ስንክልና ዘለዎም ሰባት፣ ገዛ ዘይብሎም ወይ ናይ ገዛ ዉሕስና ዘይብሎም፣ ማሕበረኮም LGBTQ ከምኡ እዉን ደቂ ኣንስትዮ፡፡

ናይ ከይዲ ምምሕያሻት

ኣብ 2018 ናይ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ ቤት ትምህርቲ መንገዲ ጉጅለ፡

  • ሕብሪ ዘለዎም ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ብእግሮምን ብብሽክሌታ ክጎዓዙ ከለው ዝገጥሞም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ንናይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣዊ ፍትሒ መፅናዕቲ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ ቤት ትምህርቲ መንገዲ ፈጢሩ እዩ፡፡ እዚ ፅንዓት ብ 9 ቋንቋታ ዝካየድን ኣብ ኦንላይን፣ ናይ ቡስጣ ሳፁንን ኣብ ኮማዊ ፍፃመታት ክርከብ ይኽእል፡፡
  • ዘርኣዊ ፍትሒ ፅንዓት ንምፍላጥን ብዛዕባ ናይ ሂወት ተሞክሮኦምን ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱን ክመፁን ከለው ብዛዕባ ዝገጥሞም ማሕለኻታት ንምፍላጥ ምስ ተምሃሮን ስድራኦምን ዕሙቕ ዝኾነ ዝርርብ ንምክያድ እንተነኣሰ 85% ዝፅግዑ ሕብሪ ዘለዎም ተምሃሮ ምስ ዘለዎም 10 ቤት ትምህርታት ተጣሚሩ እዩ፡፡
  • ብፍሉይ ንሕብሪ ዘለዎም፣ ስደተኛታትን ዑቕባ ሓተቲ ኮማት ኣብ ዝተዳለው ፍፃመታት ልዕሊ 50 ኮማዊ ፍፃመታት ተሳቲፍና
  • ናይ ዘርኣዊ ፍትሒ መፅናዕቲ ንምፍላጥን ከም ፎከስ ግሩፕን ኣብ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ናይ ቡና ስተዩ ኮማዊ ትካላት ዝኣመሰሉ ፎከስድ ኣውትሪች ንምክያድ ምስ 40 ዝኣኽሉ ኮማዊ ትካላት ተጣሚርና ኢና
  • ካብ 2017-2018 ናይ ትምህርቲ ዘመን ካብ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮን ወለዶምን ልዕሊ 3000 ዝፅግዑ ናይ ፅንዓት መልስታት ተቐቢልና
  • ካልኣይ ዙር ኣብ 2018 ፅድያ ንዝግበር መፅናዕቲ እቲ ናይ ፅንዓት ተሳትፎ ተበፃሕን ፍትሓውን ንምግባር ናይ ፅንዓት ተበፃሕነትና ኣመሓይሽና ኢና

ናይ ዘርኣዊ ፍትሒ ትንታነ ከይዲ

ኣብቲ ቀጻሊ ዓመት ናይ ዘርኣዊ ትንታነ ዝኸዉን:

ተዛዚሙ

ኣብቲ ዝሓለፈ እቲ ማህበረሰብ ብኸመይ ከም ዘገልገልናዮ ዘርኢ መረዳእታ ምትንታን

2018

ብቲ መደብና ጽልዋ ዝሓደሮም ሰባት ብምይይጥን ክትትልን ነካትቶም

ብዝቕበልዎ ናይ ተምሃሮ ዘርኣውን ቋንቋን ኣፈላላይ መሰረት ምስ እዞም ዝስዕቡ 40 ኮማዊ ትካላት ክንተሓባበር ኢና፡

  • ኣኪ ኩሮስ ማእኸላይ ቤት ትምህርቲ
  • ባሊ ጋትዘርት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
  • ኮንኮርድ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
  • ዴርቦርን ፓርክ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
  • ዱንላፕ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
  • ራይነር ቢች ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
  • ዌስት ሲያትል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
  • ዊንግ ላክ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ሓጋይ 2019

ዘርኣዊ ፍትሒ ትልሚ ራኢና ንምስኻዕን ሓዱሽ ስትራተጂ ንምምዕባል ምስ ሕብራዊ ኮማት ምትሕብባር፡፡ ናብቲ ራኢና እንገብሮ ገስጋስ ንምልካዕ ናይ ገምጋም ኣገባብ ምልላይ፡፡

ጽድያ 2019

ናብቲ ማሕበረሰብ ሪፖርት ምግባር

ናይ ደሕንነቱ ዝተሓለወ መንገዲ ቤት ትምህርቲ ትንታነ ዘርኣዊ ፍትሒ ንምንታይ ኣድላይ ኮይኑ?

መብዛሕትኦም ሲያትል ዘለው ተምሃሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ስለዘይረኽቡ እዚ ስራሕ ብቐጥታ ናይ ሕብሪ ዘለዎም ተምሃሮ ይምልከት፡፡ ምስ ቤት ትምህርቲ ብንጥፈት ምስታፍ ምስቲ ዓብይ ኣካዳምያዊ ስክዕቲን ዝተመሓየሸ ኣካላውን ኣእምሯውን ጥዕና ዝተመሓየሸ እዩ፡፡

ዋላኳ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ቁጽሪ መናእሰይ ኣርባዕተ ዕጽፊ እንተወሰኸኳ ቁጽሪ እቶም ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝገብሩን ብሽክለታ ዝዝዉሩ ተምሃሮ ኣዝዩ ቀኒሱ እዩ፤ እዚ ድማ ንከለርድ ማሕበረሰብ ናይ ዘይምምጥጣን ጽዕንቶ ኣሕዲሩ እዩ፡፡

  • ጸለምትን ላቲኖን ዝኾኑ ህጻናት እቲ ዝዓበየ ናይ ህዝርጥና መጠን ዘለዎም እንትኾኑ ከምኡ እዉን እቲ ዝነኣሰ ናይ ፓርክ፣ መጻወቲ ወይ እግሪ ጉዕዞ ዝገብሩሉ መንገድታት ዕድል ኣለዎም
  • ናብ ¼ ዝጽግዑ ጸለምቲ መናእሰይ ምስ 13% ዝኾኑ ጸዓዱ መናእሰይ ክነጻጸሩ እንከለዉ ካብቲ ዝምከር መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝተሓተ ይንቀሳቐሱ፡፡
  • ኣብ ሰያትል እቲ ዝዓበየ ከለር ተምሃሮ ዘለዎም ቤት ትምህርታት ካብ 50% ናይ ከለር ተምሃሮ ዘለዎም ቤት ትምህርታት እንትነጻጸር እቲ ዝነኣሰ ናይ እግሪ ጉዕዞ መግበርን ብሽክለታ መዘወርን ኣለዎም

ኣብ ቤት ትምህርቲ ንጡፍ ምንቅስቓስ ምግባር ዘላቒ ዝኾነ ናይ ጥዕና ጥቕምታትን ምስ እዞም ዝስዕቡ ዝተተሓሓዙ ናይ መናእሰይ ርጉዲ ክቕንስ ይኽእል:

  • መትነ-ልባዊ ሕማማት
  • ሕማም ሽኮር
  • ሕማም መንሽሮ
  • ስትሮክ

ብተወሳኺ ድማ ምዉሳኽ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝተመሓየሸ ኣካላዉን ኣእምሯዉን ጥዕናን አካዳምያዊ ብቕዓትና ንኽንዉስኽ ይገብረና፡፡

ሓፈሻዊ መግለፂ

Happy kid on bike with adult helping

ናይ ሲያትል ዘርኣዉን ማሕበራዊ ፍትሕ ተበግሶ (RSJI) ኣብ ናይዚ ከተማ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ዘሎ ዝርአ ትካላዊ ዘርኣዉነትን ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ደዉ ናይ ምባል ጻዕሪ እዩ፡፡ ዘርኣዊ ፍትሒ መሳርሒ (RET) ናይ ዘርእኣዊ ፍትሒ ተፅዕኖታት ንምፍታሕ ስሩዕ ከይዲ የቐምጥን ናይ ፖሊሲ ምዕባለ፣ ኣፈጻጽማን ገምጋም፣ ናይ ዕማም ሕጊ፣ መደባትን ጉዳያት በጀት ዝመርሑ ሕቶታት የቐምጥ፡፡

ድሕንነቱ ዝተሓለወ መንገዲ ቤት ትምህርቲ (SRTS) ተምሃሮ ካብ ቤት ትምህርቶም ወይ ናብ ቤት ትምህርቶም ዝገብርዎ ጉዕዞን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ቀሊልን ዝገብር ከባብያዊ፣ ክፍለ ሃጉራዉን ሃገራዉን ምንቅስስ እዩ፡፡ ናይ ሲያትል ክፍሊ መጎዓዝያ እዞም ዝስዕብ ሽቶ ንምስኻዕ ናይ ስትራተጂ እኩባት ይጥቀም፡

  • ትምህርቲ: ኩሉ ሰብ ብኸመይ ድሕንነቱ ተሓሊዉ ክጎዓዝ ከም ዘለዎ ከምዝፈልጥ ምርግጋጽ
  • ምትብባዕ: ኣብቲ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ናይ እግሪ ጉዕዞን ምዝዋር ብሽክለታን ምትብባዕ
  • ኢንጅነሪንግ፡ ከም ሓድሽ ናይ እግረኛ መንገዲ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወ መሻገሪን ንብሽክለታ ዝተመሓየሸ መንገዲ ዝኣምሰሉ ፕሮጀክታት ምህናጽ
  • ኣፈጻጽማ፡ ናይ ትራፊክ ድሕንነት ሕግታት ንምትግባር ምስ ናይ ስያትል ክፍሊ ፖሊስ ምሽራኽ
  • ገምጋም: ናብቲ ናይ ሓባር ናይ ድሕንነት ዕላማና ዘለዎ ከይዲ ምክትታል
  • ሓላፍነት: ንናይ ቤት ትምህርቲ ዕዉታት ምንጪ ምቕራብ

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.