ብኸመይ ምድላውን ምሕጋዝን ከምዝከኣል

ኣፍልጦ ሒዝካ ገዛኻን ነቶም ናይ ጉዕዞ ትልሚታትካን ነቲ ዘይተሓሰበ ከጋጥም ዝኽእል ኩነታት ኣዳልዎም። ነቶም ናይ እግረኛ መንገድታትካ ካብ በረድ ናጻ ክኾኑ ግበር። ነቶም ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ሓግዝ።  

ቅድሚ ዉርጪን በረድን ምምጽኡ

ንገዛኻ ነቲ ከይተሓሰበ ከጋጥም ዝኽእል ኩነታት ኣዳልዎ።

  • ንምድላው ክሕግዘካ ምእንታን ነቲ ናይ ሓጋይ ማዕበል በረድ መፈተሺ Winter Storm Checklist ኣውርድ። ነቲ ናይ ኩነታት ኣየር ትንበያ weather forecast ተኸታተል፣ እንተደኣ ከቢድ ኩነታት ኣየር ከጋጥም ኮይኑ ትልሚታት ኣዳልው። 
  • ቅድሚ እቲ ናይ በረድ ማዕበል ነቶም ዘድልዩኻ ነገራት ዓቅብ። ናይ ስድራ-ቤት ትልሚ ህጹጽ ኩነታት፣ ስልኪን ተንቀሳቓሲ ቻርጀርን፣ ብባትሪ ትሰርሕ ራዲዮ፣ ናይ በረድ መጽረጊ ባዴላ፣ ናይ ጎደና ጨው ዝሓዘ ቦርሳ፣ ሙቐት ዝህቡ ክዳውንቲ፣ ተወስኽቲ ኮቦርታታት፣ ናይ ኢድ መብራህቲታት፣ ናይ መባእታዊ ሓገዝ ሕክምና ኪትን፣ ከምኡድማ እንተነኣሰ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝኸውን ናይ መግቢ/ማይ/መድሓኒት ቀረብ ይሃልወካ።

ተዳለው

ቅድሚ እቲ ናይ በረድ ማዕበል ነቶም ዘድልዩኻ ነገራት ዓቅብ። ናይ በረድ መጽረጊ ባዴላ፣ ሓደ ከረጢት ናይ ጎደና ጨው፣ ሙቐት ዝህቡ ክዳውንቲ፣ ተወሳኺ ኮባርታታት፣ ላምባዲናታት፣ ናይ መባእታዊ ሕክምና ሓገዝ ኪት፣ ከም'ኡ ድማ እንተነኣሰ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝኾነካ ምግቢ/ማይ/መድሓኒት ይሃልውካ።

ዛሕሊ/ቀዝሒ ቅድሚ ምዃኑ

በረድ ከይፍጠር ንምግባር፣ ናብ'ቲ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ናይ ኣጋር መገዲ፣ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝግበረሎም ጎደናታት፣ ከምኡድማ ናይ ከርብ ራምፕታት ናይ በረድ ጨው ምብታን (ወይ ካሊእ ምስ'ቲ ከባቢ ኣየር ዝሰማማዕ ምህርቲ) ምግባር።

በረድ ክዘንብ እንከሎ - ነቶም ናይ ኣጋር ጎደናታት ጽረጎም

እቲ ህቦብላ ቀዝሒ ናብ በረድ ቅድሚ ምቕያሩ፣ ነቶም ኣብ ቅድሚ ገዛኻ ወይ ስራሕካ ዝርከቡ ናይ ኣጋር ጎደናታት ኣብ ሕድሕድ 12 ሰዓታት ጽረጎም።

ንጎረበትካ ኣቓልቦ ሃብ

እንተደኣ ጎረብትካ ሓገዝካ ዘድልዮም ምዃኑ ትፈልጥ ኮይንካ፣ ኬድካ ሕተቶም። ነቶም ኣብ ጥቓ እቲ ዘለኻሉ ብሎክ ዝርከቡ ናይ ኣጋር መገዲታት፣ ወራዲ ናይ ዝናብ ማይ፣ ኣብ ማዕዘን መንደቕ ዝርከቡ ከርብ ራምፕታትን ካብ በረድ/ዉርጪ ናጻ ኮይኑ ክቕጽል ብሓንሳብ ስርሑ ፕላን ሒዝኩም ድማ ምጹ።

ናይ በረድ ምጽራግ ናይ ድሕንነት ሓጸርቲ ሓበሬታታት

ጉድኣት ኣወግድ! ነዞም ዝስዕቡ ናይ ሓበሬታ ፍልፍላት ተጠቒምካ ድሕንነትካ ሓሊኻ በረድ ኣወግድ፡

መጠንቀቕታ፡ እዛ ኸተማ ነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ናይ ኣጋር መገዲታት ዘሎ በረድ ኣብ ምጽራግ ዘጋጥሙ ናይ ንብረት ብርሰት ወይ ናይ ኣካል ጉድኣት ሓላፍነት ኣይክትወስድን እያ።

ኣብ'ቲ ኣብ ከባቢ መንበሪና ዝካየድ ናይ በረድ ምጽራግ ፕሮግራም ወለንተኛ ኮይንካ ተሳተፍ

ወለንተኛ ብምዃን ነቶም ኣብ'ዚ ሓጋይ/ዊንተር ወርሓት ሓገዝ ዝጠልቡ ጎረባብትኻ ክትሕግዝዶ ትደሊ? ከተማ ሲያትል ነቶም ብማሕበረሰብ ዝካየዱ ናይ በረድ ምጽራግ ጻዕሪታት ንምሕጋዝ ናይ ፈተነ መደብ ተበግስ ኣላ። እቲ ዕላማ ነቶም ኣረጋውያንን ናይ ምንቅስቓስ ብድሆታት ዘጋጥሙዎም ሰባትን ካብ ገዛኦም ወጺኦም ናብ'ቲ ዝደልዩዎ ቦታ ክጎዓዙ ምእንታን ነቲ ኣብ ጥቓ ገዛኦም ዝርከብ ናይ ኣጋር መገዲ ካብ በረድ ናጻ ክኸውን ምግባር እዩ።

ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ዊንተር/ሓጋይ ንሓደ ሓገዝ ዘድልዮ ጎረቤትካ ክትሕግዞ ድልየት እንተለካ፣ ብኽብረትካ ናብ 684-Road@seattle.gov ኢሜይል ብምልኣኽ ወይ ናብ (206) 684-7623 ብምድዋል ኣብ ናይ ዓማዊል ክንክን ጉጅለና ተመዝገብ።

ናይ በረድ ምጽራግ ሓገዝ ሕተት

እቶም ካብ'ቶም ኣብ ጥቓ ገዛኦም ዝርከቡ ናይ ኣጋር መገዲታት ንበረድ ኣብ ምውጋድ ሓገዝ ዝጠልቡ ሰባት ካብ Neighbors Helping Neighbors ናይ በረድ ምጽራግ ፕሮግራም ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም!

ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ዊንተር/ሓጋይ በረድ እንትዘንብ፣ ወለንታዊ ናይ በረድ ምጽራግ ግልጋሎት ክትህብ እንተደሊኻ፣ ብኽብረትካ ናብ 684-Road@seattle.gov ኢሜይል ብምልኣኽ ወይ ናብ (206) 684-7623 ብምድዋል ኣብ ናይ ዓማዊል ክንክን ጉጅለና ተመዝገብ። እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ዊንተር/ሓጋይ ኩነታት እየር እንተየርከበና እንከሎ ምስ'ቶም ኣብ ከባቢ መንበሪኻ ዝርከቡ ወለንታውያን ክነራኽበካ ዝኸኣልናዮ ጻዕሪ ክንገብር ኢና።

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.