ናይ ሲያትል ማዕቀፍ ማዕርነት መደብ መጎዓዚያ (Seattle's Transportation Equity Framework)

አማርኛ • 繁体字 • 简体中文 • ភាសាខ្មែរ • 한국어 • Oromiffa • af-Soomaali • Español • Tagalog • ትግርኛ • Tiếng việt • English

ታሪኽ ዓሌታውያን ዝኾኑ ፖሊሲታትን ሕጽረት ኢንቨስትመንትን ምህላው፣ ኣብ ሕብሪ ዘለዎም ማሕበረሰባት ዝረኣዩ ካብ'ቶም ጸዓዱ መዘናታቶም ዝነውሑ ካብን ናብን ስራሕ ቦታ ዝገበሩ ጉዕዞታትን መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ልዑል ደረጃ ጽሬት ዘለዎ ናይ ትራንዚት አገልግሎት ዘይምርካብን ዝበሉ ኣብ ስርዓት መጎዓዚያና ዘይማዕርነታውነት ክሰፍን ዝገበሩ እዮም። ዋላኳ እቶም ሰብ ሕብሪ (ጸዓዱ ዘይኮኑ) ዝኾኑ ማሕበረሰባት ኣብ ብከላ ትሑት ኣበርክቶ ዘለዎም እንተኾኑ፣ ትሑት ተኽእሎ ዕድላትን ሃብትን ኣብ ምርካብ ሓዊሱ ብሰንኪ ዓሌታውነት ዘይተመጣጠነ ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋ የጋጥሞም። ነዚ ሓድሽ ዝኾነ ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ (Transportation Equity Framework) (TEF) ምስ'ቶም ናይ ክፍሊ ዕዮ ፖሊሲታትን ኣሰራርሓታትን ክወሃድ ምግባር ነዞም ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዘኽይድ እዩ።

ምዕባለ

ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጎዓዚያ (Transportation Equity Workgroup) (TEW) ኣብ ፈለማታት 2019 ካብ'ቶም ንጸለምቲ፣ መበቆላውያን፣ ሰብ ሕብሪን ተአፈፍቲ ዝኾኑ ማሕበረስባት ዝውክሉ ሰፋሕቲን ብዙሕነት ዘለዎምን ማሕበረሰባት ርኢቶ ንምእካብ ተባሂሉ ዝተጣየሸ እዩ። ሕድሕድ ኣባል ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጎዓዚያ ምስ'ቶም ኣብ ሲያትል-ኪንግ ካውንቲ ክልል ዝርከቡ ከባቢያዊ ትካላት ርክብ ዘለዎ ኮይኑ ነቶም ምስ መጎዓዚያ ዝዛመዱ ጸገማት ንምፍታሕ ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምቲታት ንምፍላይ ዘለዎም ተሞክሮን ሞያዊ ፍልጠትን ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ እዮም። እቲ ንሶም ዝህቡዎ ርኢቶ ነቶም ናይ ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ (TEF) ክብሪታትን ስትራቴጂታትን እንታይነት ኣብ ምግላጽ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ኮይኑ፣ እዚኦም ድማ ኣብ'ቶም ዝመጹ ዓመታት ንተግባራት ሰራሕተኛታት ክፍሊ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Department of Transportation) መስመር ዘትሕዙ እዮም ክኾኑ።

ኣብ ናይ መደብ ማዕርነት መጎዓዚያ: ናይ ሓባር ሽቶታት መሰረት ብምግባር፡

  • ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ (TEF) ነቶም ናይ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ውሳነ ወሃብቲ፣ ሰራሕተኛታት፣ ሰብ ብርኪ፣ መሻርኽቲን፣ ከምኡድማ እቲ ማሕበረሰብ ብዓብዩን ብሓባር ኮይኖሞ ማዕርነት ዝተረጋገጸሉ ስርዓት መጎዓዚያ ንምፍጣር ዘኽእል ካርታ እዩ።
  • ብምህናጽ ካብ ናይ ከተማ ሲያትል ዝኾነ ተበግሶ ዓሌትን ማሕበራዊ ፍትሕን (Race and Social Justice Initiative) (RSJI) ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ ብሰንኪ ትካላዊ ዓሌታውነት ኣብ ስርዓት መጎዓዚያና ዘጋጥሙ ፍልልያት ንምፍታሕ ይሰርሕ።

ኣብ 2021 ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል፣ ምስ ኣባላት ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጎዓዚያ ብሓባር ብምዃን ኣብ ከይዲ ስራሕ ንድፊ እቲ አፈጻጽማ መደብ ተሳቲፉ እዩ። ካብ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ 2021፣ ሰራሕተኛታ ትክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትልን ኣባላት ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያን ኣብ ዘካየዱዎም ቀጸልቲ ምይይጣት ተሳተፍቲ ዓሞቝቲ ርክባት ክሃንጹ፣ ብንቕሓት ከዳምጹ፣ ብሓባር ኮይኖም ነቲ ናይ አፈጻጽማ መደብ ንምፍጣር ድማ ፈጣሪነት ዝተመልኦ ናይ ሓሳባት ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘኽኣለ እዩ።

ናዊቲታት ማዕቀፍ ማዕርነት

ኣፈጻጽማ መደብ ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ (TEF)

እዚ ናይ ኣፈጻጽማ መደብ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ ዝተተንተኑ ክብሪታትን ስትራቴጂታትን ንምዕባይ ዝሕግዙ ታክቲካት ዝሓቁፍ እዩ።

  • እዞም ታክቲካት እዚኦም ኣብ ዝተፋላለዩ ምድባት ካብ ተሟጋትነት መሰል፣ ፖሊሲ፣ መደብ፣ ፕሮጀክት ኣትሒዞም ክሳብ ኣብ ክፍሊ ስራሕና ናይ ባህላዊ ለውጢ ዘምጽኡ ከም ናይ ውሽጣዊ ከይዲን ብሉጻት ኣሰራርሓታትን ዝኣምሰሉ ታክቲካት ዝሓቑፉ እዮም።
  • እዚ መደብ ካብ 2022 ክሳብ 2028 ዝጸንሕ እንትኾን፣ ብባህሪኡ ተለዋዋጣይ ብምዃኑ ስሩዕ ብዝኾነ መገዲ ድማ ክመዓራረ፣ ቁጽጽር ክግበሮን፣ ክሕደስን እዩ።

እዚ ኣብ ታሕቲ ተቐሚጡ ዘሎ ኣሳታፊ ዝኾነ ናይ ኣፈጻጽማ መደብ ዳሽቦርድ ብናይ ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ ክብሪታት ዝተዳለዉ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ታክቲካት ዝሓዘ እዩ። ተወሳኺ ንምፍላጥ ብዝበለጸ ዳህሳስ ግበር!

ዳሽቦርድ ማዕቀፍ ማዕርነት መጎዓዚያ

ነዚ ዳሽቦርድ እዚ ኣብ ሓድሽ window/tab ርኣይ

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.