Meet the Workgroup

አማርኛ • 繁体字 • 简体中文 • ភាសាខ្មែរ • 한국어 • Oromiffa • af-Soomaali • Español • Tagalog • ትግርኛ • Tiếng việt • English

ኣባል ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጎዓዚያ (Transportation Equity Workgroup) ንምዃን ኣመልክት

ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጎዓዚያ (TEW) ን 2023-2024 ናይ ኣባልነት ቦታታት ከፊቱ ይርከብ። ብቑዓት ኣባላት ማሕበረሰብ ኣባላት ክኾኑ ንደሊ ኣለና።

ኣብ ማዕቀፍ ማዕረነት መጎዓዚያ (TEF) ከም ኣሳሳዪ ኮይንካ ክተገልግል ድልየት ኣሎካ ዶ? እቶም ምስ ጉጅለታት ማሕበረሰብ፣ መርበባት፣ ወይ ንመኽሰብ ዘይተጣየሹ ትካላት ነቶም ኣብ ሲያትል-ኪንግ ካውንቲ ዝርከቡ ተኣፈፍቲ ማሕበረሰባት ግልጋሎታት ዝህቡ ርክብ ዘለዎም ሰባት ከመልክቱ ይዕደሙ።

ሓደ ደገፍ ክትህቦ እትደልዮ ኣመልካቲ ኣሎካ ዶ? እቶም ምስ ናይ ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጎዓዚያ (TEW) ሕጹያት ርክብ ዘለዎም ትካላት ናይ ደገፍ ደብዳበ ኣታዊ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።


ናይ ትርጉም ኣገልግሎታት

ናይ ትርጉም ኣገልግሎታት የድልየካ ድዩ? መመልከቲ ወይ ናይ ደገፍ ደብዳበታት ንምቕራብ ሓገዝ ዘድልዮም ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለታት፥

ኣብ'ዚ እዋን ዘለዉ ኣባላት ጉጅለ ዕዮ

Yordanos Teferi፣ ተሓባባሪት ኣቦ ወንበር ጉጅለ ዕዮ

Yordanos Teferi ናይ eDiscovery ጠበቓ ሕጊ እያ። ኣብ ሕግን ፎርቹን 100 ኩባንያታትን ልዕሊ 17 ዓመት ተመክሮ ኣለዋ። Yordanos ኣብ ቦርድ ማእኸል ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣባል ኮይና ክተገልግል ምስ ጀመረት እያ ነቶም ብሕብረት ማሕበረሰባት ብዙሕ ባህሊታት (Multicultural Community Coalition) ዝተሰርሑ ዓበይቲ ስራሕቲ ክትፈልጥ ክኢላ። ሎሚ፣ ከም ዋና ዳይሬክተር ፈጻሚት ኮይና ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ዮርዳኖስ ኣብ ተበግሶ ፍትሓዊ ምዕባለ (Equitable Development Initiative) (EDI) ቦርድ ኣማኸርቲን ኣብ ማሕበረሰባት ዕድል (Communities of Opportunity) (COO) ቦርድ ምምሕዳርን እናገልገለት ትርከብ።

Yu Ann Youn፣ ተሓባባሪት ኣቦ ወንበር ጉጅለ ዕዮ

Yu-Ann Youn ኣብ'ዚ ሐዚ ግዜ ኣብ University of Washington's Robinson Center for Young Scholars ብኮንስትራክሽን ማኔጅመንት ናይ መጀመሪያ ዲግሪ ትምህርታ ኣብ ምክትታል ትርከብ። ኣብ'ቲ ዝተሃንጸ አከባቢያዊ ኢንዱስትሪ ዓሌታዊ ማዕርነትን ብዙሕነትን ኣብ ምህናጽ ኣዝዩ ዓሙቕ ድልየት ዘለዋ እንትትኾን፣ ኣብ ጉዳያት ምውጻእ ትልሚን ምዕባለን ከተማታትን ድማ ዝበለጸ ማሕበረሰባዊ ተሳትፎ ክህሉ ኣለዎ ኢላ ብምምጓት ንቑሕ ተሳትፎ እተካይድ እያ። ናብ'ዚ ጉጅለ ማዕርነት መጎዓዚያ (Transportation Equity Workgroup) ዝተጸንበረትሉ ምኽኒያት ኣብ'ቶም ኣብ ዙርያ ምውጻእ ትልሚ መጎዓዚያ ዝካየዱ ምይይጣት ናይ'ቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ማሕበረሰባት ጸለምቲ፡ ደቀባት፣ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC) መናእሰያትን ድምጺ ክተስምዕ እዩ።

Rizwan Rizwi፡ ተሓባባሪ ኣቦ ወንበር Emeritus

Rizwan ፕሬዚደንትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ናይ SAR Wealth Management እዩ። ኣብ ኒውካስትል ኣፖን ታይን ዓዲ እንግሊዝ ተወሊዱ ዝዓብዬ ኮይኑ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ካስል (Newcastle University) ብቢዝነስ ማኔጅመንት ብማዓረግ ናይ መጀመሪያ ዲግሪኡ ዝረኸበ ኮይኑ፣ ድሒሩ ድማ ብቢዝነስ አድሚኒስትሬሽን ካልኣይ ዲግሪ ተቐቢሉ እዩ። ኣብ'ዚ ናይ ኢንቨስትመንት ኢንዱስትሪ ዓብዪ ተሞክሮ ስራሕ ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ SMITH BARNEY Citigroup (ሐዚ ኣካል Morgan Stanley) ናይ ዕዳጋ ብጽሒት ፖርቶፎልዮ ኣብ ምምሕዳር ናይ ብዙሕ ዓመት ተሞክሮ ስራሕ ዘለዎ እዩ

ኣብ 2012፣ ሪዝዋን ናይ ሙስሊም ሃውሲንግ ሰርቪስስ (Muslim Housing Services) (MHS) ኤክስኪዩቲቭ ዳይሬክተር ኮይኑ ቀጺሉ ኣብ 2018 ንልዕሊ 1,100 ዝኾኑ ኣብ መላእ ኪንግ ካውንቲ ዝርከቡ፣ መንበሪ ገዛ ዘይብሎም፣ ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን ናይ ገዛ ሓገዝ ገቢሮምሎም እዮም። ዋላኳ ቁጠባዊ ጸገማት ካብ ዘለዎን ብታሪኽ ድማ ኣብ ከይዲታት ምሕንጻጽ ፖሊሲታት ዝግብኦ ውክልና ዘይረኸበን ሕበረተሰብ ዝመጽአ እኳ እንተኾነ፣ ኣባል ናይ ክፍሊ መጎዓዚያ ከተማ ሲያትል ጉጅለ ፍትሓዊነት (Seattle Department of Transportation's Equity Workgroup) ዝኾነሉ ምኽኒያት ሰባት ኣብ ውሳነታት መጎዓዚያ ሓሳባት ከካፍሉ ንምኽኣል እዩ።

Steven Sawyer፣ ተሓባባሪ ኣቦ ወንበር Emeritus

Bishop Steven R. Sawyer ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተሟጋቲ፣ መራሒ ማሕበረሰብ፣ ናይ ስራሕ ፈጣሪን፣ ብሄራዊ መራሒ ሃይማኖትን ኮይኑ ካብ ፖርትላንድ፣ ኦሪጎን ማልትኖማህ ዩኒቨርሲቲ (Portland, OR Multnomah University) ኣብ ትካላዊ ምምሕዳርን ዝጠመተ ቢዝነስ አድሚኒስትሬሽን ናይ መጀመሪያ ዲግሪ ዘለዎን እንትኾን ከምኡ ድማ ኣብ ዓለም ለኻዊ ምዕባለን ፍትሒን ዝጠመተ ካልኣይ ዲግሪ ብስነ-መለኮት ዘለዎን እዩ። ኣብ'ዚ ሐዚ እዋን፣ ስቲቨን ኣብ'ቲ ኣቐዲሙ መርበብ ሰብ ሕብሪ ኣንጻር ኤድስ (People of Color Against AIDS Network) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሕጂ POCAAN ዝተብሃለ ትካል ኤክስኩዩቲቭ ዳይሬክተር ኮይኑ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ እዩ፣ ብዙሕ ባህሊታት ዝሓቁፍ ኤጀንሲ ማሕበራዊ አገልግሎት ኮይኑ ካብ 1987 ጀሚሩ ኣብ ሲያትል ዝርከቡ እተገለሉ ማሕበረሰባት አገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከብ። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ሕጋዊ ዘይኮኑ ወልፊ ዘትሕዙ፣ ማእሰርቲ፣ ስእነት መንበሪ ገዛ፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማምት፣ ዓሌታዊነት፣ ጾታዊ ጥቕዓት፣ ጽልኢ ግብረ ሰዶማዊነትን፣ ካልኦት ኣግለልቲ ዝኾኑ ፍልልያትን መፍትሒ ዝህብ መደብ ከካይድ፣ ንመሰላት ክማጎትን፣ ትምህርቲ ክህብን፣ እዩ ትጽቢት ዝገብር። እቲ ናቱ ጭርሖ ምስ'ቲ ናይ ትካል ጭርሖ ተመሳሳሊ እዩ፡ "ጥዕና ምድንፋዕ፣ ማሕበረሰብ ምውዳብ፣ ከምኡ'ውን ህይወት ሰባት ምቕያርን"።

An Huynh

An Huynh ኣብ ዓለምለኻዊ ዲስትሪክት ቻይና ታውን በዓል መዚ ዕቃበን ምዕባለን (Seattle Chinatown International District Preservation and Development Authority (SCIDpda) መተሓባባሪት ህዝባዊ ቦታን ማሕበረሰብን እያ። ኣብ ዓለምለኻዊ ዲስትሪክት ቻይና ታውን (Chinatown International District) ምስ ከባቢያዊ ትካላት ንግዲ፣ ነበርቲ፣ ወነንቲ ንብረትን ከምኡ ድማ ክፍሊታት ስራሕ ምምሕዳር ከተማ፣ መወልቲ ገንዘብን፣ ናይ ንድፊ ትካላትን ብሓባር ብምዃን ኣብ ጉዳይ ንድፊ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ስነ-ጥበብ፣ ንድፊ ፓርክን ናይ ኣጋር መገዲታት መሊስካ ምልማዕ ፕሮጀክትታትን ናይ ሓባር ስምምዕ ክህሉ ንምግባር ኣብ ዝካየዱ ናይ ህዝባዊ ቦታትት ፕሮጀክትታት ዝህሉ ማሕበረሰባዊ ተሳትፎን ህዝባዊ ርክብን እያ ተሳልጥ። An ኣባል ጉጅለ ማዕርነት መጎዓዚያ (TEW) ዝኾነትሉ ምኽኒያት ናይ'ቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ዲስትሪክት ቻይና ታውን (Chinatown International District) ዝነበሩ፣ 72% ዝኾኑ ሰባት ካብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ወጻእ ዝኾነ ቋንቋ ዝዛረቡ እቶም 19.1% ዝኾኑ ድማ ሽማግለታት ዝኾኑሉ ከባቢን እዚኦም ድማ መብዛሕቲኡ ግዜ ምስ ማዕርነት መጎዓዚያ ዝዛመዱ ዝርርባት ዘይሳተፉ ምስ ምዃኖም፣ ነቲ ዝህሉዎም ተሞክሮ ክብ ንምባል እዩ።

Amir Noir Soulkin

Amir Noir Soulkin ኣብ ኣገልግሎታት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪካ (EACS) ዳይሬክተር ርክባትን ምዕባለን፣ ካብ ዝቐውም 21 ዓመት ዘቑጸረ፣ ብጸሊም ዝምራሕን ንጸለምቲ ዘገልግልን ንትርፊ ዘይቀወመ ትካል በቶም ኣብ ኪንግ ካውንቲ ዝነባርነቶም ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን ምብራቕ ኣፍሪካ ዝቐወመን ንዓኦም ድማ ግልጋሎት ዝህብን ትካል እዩ። ናይ'ቲ ትካል ቀንዲ ናይ ርክብ ሰብ እንትኸውን ናይ'ቲ ትካል ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲን ክፍሊ ምዕባለን ድማ ብሓላፍነት ይቆጻጸር። ኣገልግሎታት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪካ (EACS) ሲያትል ኣብ ከባቢ ኒው ሆሊ ዝበሃል ቦታ ይርከብ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ማሕበረሰባት ጸለምቲ፣ ተወለድቲን፣ ሰብሕብርን (BIPOC) ዝርከቡዎ፣ ኣብ ዓመት ንልዕሊ 350 መናእሰይ ግልጋሎት ዝህብ፣ ኣብ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ካብ ቅድመ-መዋእለ ህጻናት ክሳብ 12 ክፍሊ ድሕሪ ቤት ትምህርቲ፣ ክረምታዊን፣ ስደተኛን ተፈናቐልቲ ስድራ ቤታት ምብራቕ ኣፍሪካ ድምጾም ክስማዕ ዝገብሩ ጣልቃ ምእታውን ኣድህቦ ዝቕይር ንጥፈት ዘጠቓልል ናይ መናእሰያት መደባት ክትትል ዝካየደሉ እዩ።

ኣሚር ካብቲ ኣብ ፑጀት ሳውንድ ሳጅ ዝርከብ ናይ ማሕበረሰብ መሪሕነት ትካል ተመረቐ ኣብኡ ኸኣ ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ እቲ ንዅሉ መዳይ ህይወት ዘራኽብ ድሕንነትን፣ ተመጣጣኒ ዋጋን፣ ፍትሓዊ መጓዓዝያ ዘሎ ምትእስሳር ኣጸቢቑ ፈለጠ። መብዛሕቲኡ ግዜ ጸለምቲ ስደተኛታት ብስንኪ ናይ ቋንቋን/ ወይ ካልኦት ዕንቅፋታት ካብ ናይ ፖሊሲ ዝርርባት ወጻእ ይግበሩ፣ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ዉሽጢ ንቑሕ ዝኾነ ዴሞክራሲያዊ ተሳትፎ ቅርጺ ዝሓዘ ማሕበረሰብ ዝነብሩ ዝተገለሉ ማሕበረሰብ (folx) ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። Amir ንማሕበረሰባት ተፈናቐልቲን ስደተኛታትን ምብራቕ ኣፍሪካ ወኪሉ ኣባል ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጎዓዚያ (Transportation Equity Workgroup) ብምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲን ጽልዋ ዘሕድርን ናይ ማዕርነት ስራሕ ክሰርሕ ከምዝኽእል ተሰመዖ፥ "ውክልና ዋጋ ኣለዎ። ሓድነት ጸለምቲ፡ ደቀባት፣ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC) ዋጋ ኣለዎም። ህይወት ጸለምቲ ዋጋ ኣለዎም። ድምጺ ጸለምቲ ዋጋ ኣለዎ። ድልየታት ጸለምቲ ዋጋ ኣለዎ። ቁጠባ ጸለምቲ ዋጋ ኣለዎ። ደረጃ ጽርየት ሂወት ጸለምቲ ዋጋ ኣለዎ።"

Karia Wong

Karia Wong ካብ 1998 ኣትሒዛ ንስደተኛታት ኣብ ምግልጋል ትርከብ፣ ፈለማ ከም ወለንታዊት ሐዚ ድማ ኣብ ማእኸል ሓበሬታትን ግልጋሎትን ቻይናውያን (Chinese Information and Service Center (CISC)፣ ከም መተሓባበሪት Family Resource Center ኮይና፣ ኣብ ምግልጋል ትርከብ። ኣብ'ተን ንስደተኛታት ትድግፈለን ዝነበረት 20+ ዓመታት፣ Karia ኣብ መጎዓዚያ ዘሎ ዘይማዕርነት ስደተኛታት ነቲ ኣብ ሲያትል ዘጣየሹዎ ሓድሽ ሂወት ክየመሓይሹ ክንደየናይ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ርእያ እያ። ኩሉ ሰብ ዝመጸሉ ሃገር፣ ቋንቋ፣ ድሕረ ባይታን ኣካላዊ/ኣእምሮኣዊ ክእለታትን ብዘየገድስ ውሑስ፣ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝቐርብ፣ ተበጻሓይ ዝኾነን ኣብ ከባቢ ጉድኣት ዘየብጽሕን ናይ መጎዓዚያ ኣማራጺታት ናይ ምርካብ ተመሳሳሊ ዕድል ክረክብ ኣለዎ ኢላ ትኣምን።

ናይ ቀደም ኣባላት ጉጅለ ማዕርነት መጎዓዚያ (TEW) ዝነበሩ

  • Cesar Garcia
  • Ellany Kayce
  • Khatami Chau
  • Kiana Parker
  • Kristina Pearson
  • Chris Rhoades
  • Christina Thomas
  • Phyllis Porter
  • Micah Lusignan
  • Julia Jannon-Shields
  • Sokunthea Ok (Department of Neighborhoods (DON), Community Liaison)
  • Analia Bertoni (Department of Neighborhoods (DON), Community Liaison)

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.