ዝተተርጎመ ሓበሬታ

እንተደኣ ብዛዕባ ናይ ክፍሊ ህንጻን ምቁጽጻርን ሲያትል (SDCI) ፍቓድ ምሃብን ምርመራን መስራሓት ወይ ናይ ሮቛሒታት ኮድ ዝምልከቱ ሓፈሻዊ ዝኾኑ ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፣ ብኽብረትካ ናብ (206) 684-8600 ብምድዋል ን 0 ጠውቕ። ብኽብረትካ ነቶም ቋንቋ እንግሊዘኛ ተዛረብቲ ዝኾኑ ሰራሕተኛታትና ነቲ እተምርጾ ቋንቋ ንምሕባር ተዳሎ። ሰራሕተኛታትና ነቶም ሕቶታትካ ንምምላስ ሓገዝ ተርጓማይ ክጥቀሙ እዮም። (እቶም ሰራሕተኛታትና ምስ ተርጓማይ ከራኽቡኻ ኣብ ዝፍትኑሉ ግዜ ነቲ ስልኪ ኣይትዕጸዎ።) እንተደኣ ን ፍቓድ፣ ፕሮጀክት፣ ምርመራ ዝምልከት ዝተፈለየ ሕቶ ኣለካ ኾይኑ፣ ሰራሕተኛታትና ነቲ ንስኻ ትርከበሉ ናይ ርክብ ሓበሬታ ብምምዝጋብ በቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ ዝትርጉም ሰብ ብምሓዝ ነቶም ሕቶታት ክምልሰልካ ዝኽእል ሰብ መሊሱ ክድውለልካ ክገብሩ እዮም።

ጥርዓን ንምቕራብ ወይ ብዛዕባ ምጥሓስ ናይ ሲያትል መንበሪ ኣባይቲ፣ ህንጸት፣ ኣጠቓቕማ መሬት፣ ናይ ድምጺ ሕግታት፣ ዝምልከቱ ሕቶታት ኣብ ዝህልዉኻ፣ ናብ ሲያትል ክፍሊ ህንጸትን ምርመራን (Seattle Department of Construction and Inspections) ናብ (206) 615-0808 ደውል።

ብዛዕባ ኣካረይቲ፣ ተኻረይቲን፣ ናይ ክራይ ኣባይቲ ሕግታትን፣ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ናይ ሲያትል ወብ ሳይት ዘሎ Renting (ክራይ) ዝብል ረኣይ። (www.seattle.gov/rentinginseattle) ብዛዕባ ኣብ ሲያትል ዘለዉ ኣካረይቲ፣ ተኻረይቲ፣ ወይ ናይ ክራይ ኣባይቲ ሕግታት፣ ሕቶታት ኣብ ዝህልዉኻ ብኽብረትካ ናብ ናይ ሲያትል ናይ ሓገዝ መስመር ኣብ (206) 684-5700 ደውል።

እዚ ዝስዕብ ብቋንቋኻ ዝተዳለወ ሓበሬታ አለና።

Construction and Inspections

Nathan Torgelson, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 2000, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: P.O. Box 34019, Seattle, WA, 98124-4019
Phone: (206) 684-8600
Phone Alt: Violation Complaint Line: (206) 615-0808
Contact Us

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Construction and Inspections

SDCI issues land use, construction, and trade permits, conducts construction and housing-related inspections, ensures compliance with our codes, and regulates rental rules. SDCI is committed to an antiracist workplace and to addressing racism through our work in the community.