ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ): ኣዋጅ ሲቪላዊ መሰላት

This content has been professionally translated in other languages.

Este contenido ha sido traducido profesionalmente a otros idiomas.

此內容已被專業翻譯成其他語言。

Nội dung này đã được dịch chuyên nghiệp sang các ngôn ngữ khác.

Qoraalkan waxaa si xirfad leh loogu turjumay luqado kale.

Ang nilalamang ito ay propesyonal na isinalin sa ibang mga wika.

이 콘텐츠는 전문적으로 다른 언어로 번역되었습니다.

ይህ ይዘት በሙያዊ በሌሎች ቋንቋዎች ተተርጉሟል።

Этот контент был профессионально переведен на другие языки.

このコンテンツは専門的に他の言語に翻訳されています。

እዚ ትሕዝቶ ብሞያዊ ኣገባብ ብኻልእ ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።

Qabiyyeen kun ogummaadhaan afaanota birootiin hiikameera.

इस सामग्री का व्यावसायिक रूप से अन्य भाषाओं में अनुवाद किया गया है।

Ce contenu a été traduit professionnellement dans d'autres langues.

Цей вміст було професійно перекладено іншими мовами.

تمت ترجمة هذا المحتوى بشكل احترافي إلى لغات أخرى.

ከተማ ሲያትል፣ ን ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ) ኣዋጅ ሲቪላዊ መሰላት ተኽብር እያ። እዚ ሕጊ እዚ ኣብተን ብናይ ፌደራል ገንዘብ ዝምወላ ናይ ከተማ መደባት፣ ኣገልግሎታት፣ ወይ ንጥፈታት ብዓሌትካ፣ ሕብሪኻ፣ ወይ ሃገራዊ መበቆልካ፣ መሰረት ብምግባር ካብ ዝግበር ኣድልዎ ዝከላኸለልካ እዩ። 

ቃል ኪዳንና

ኩሉ ሰብ ፍትሓውን ማዕረን ኣተሓሕዛ ክረክብ ንምግባር ውፉያት ኢና። ከተማ ሲያትል ኣብ ዝኾነ ናይ ከተማ መደብ፣ ኣገልግሎት፣ መሳለጥያታትን፣ ከምኡድማ ውዕላትን ኣብ ስንክልና፣ ጾታ፣ ዕድመ፣ ጾታዊ ዝንባለ፣ ጾታዊ መንነት፣ ኩነታት ኢሚግሬሽን፣ ሳዕቤናት ጥንሲ፣ ሃይማኖት ወይ እምነት፣ መበቆል፡ ዓሌት፡ ገዲም ተጋዳላይነት ወይ ወተሃደራዊ ኩነታት፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ጡብ ምጥባውን፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ናይ ኣገልግሎት እንስሳ ምጥቃምን መሰረት ዝግብር ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ሰባት ይኽልክል። 

እንተደኣ ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ኣጋጢሙካ ኮይኑ

እንተደኣ ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ኣጋጢሙኒ እዩ ኢልካ ሓሲብካ፣ ኣባና ጥርዓን ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ክትገብር ከም ትኽእል እነሆ፡

ብዛዕባ ኣብ ስንክልና መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ጥርዓን ንምቕራብ፣ ወይ ብመምርሒ ስንክልና ዘለዎም ኣመሪካውያን (ADA) መሳለጥያታት ንምሕታት፣ ምስ ናይ ADA ኣተሓባባሪና ተራኸብ፡  

ኣብ'ዚ ክንሕግዘካ ኢና ተዳሊና ዘለና። ኣብ ናይ'ታ ከተማ ጸረ-አድልዎ ሕግታትን ኣከባባራ ሕጊ ኣርእስቲ VI ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ሴያትል ተራኸብ። ኣገልግሎታት ትርጉም ካብ ክፍሊት ናጻ ነቕርብ። 

ናይ ኣርእስቲ VI ከይዲ ጥርዓን

እንተደኣ ከተማ ሲያትል ብሰንኪ ዓሌትካ፡ ሕብሪኻ፡ ሃገራዊ መበቆልካ፣ ኣብ ልዕሌኻ ኣድልዎ ዝገበረት ኮይና ተሰሚዑካ፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ስጉምትታት ብምኽታል ናብ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ሲያትል (SOCR) ጥርዓንካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፡  

ስጉምቲ 1፡ ምሳና ተራኸብ

ኣብ ኦንላይን ኣብ'ዚ ጥርዓንካ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ብ (206) 684-4500፣ TTY: 7-1-1 ተጠቒምካ ደውለልና። ዘክር፣ ጥርዓናት እቲ ኹነታት ካብ ዘጋጠመሉ ዕለት ኣትሒዝካ ኣብ ዘለዋ 180 መዓልቲታት ውሽጢ ክቐርብ ኣለዎ።

ስጉምቲ 2፡ ምሳና ተዘራረብ

ብዛዕባ ኹነታትካ ንምዝርራብን ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ) ጥርዓን ንምቕራብ ዘኽእል እኹል ሓበሬታ ምህላውን ንምርግጋጽ ግዜ ክንሰርዕ ኢና።  

ስጉምቲ 3፡ ነቲ ጥርዓን ምቕራብ

እንተደኣ እኹል ሓበሬታ ዘሎ ኾይኑ፣ ስሩዕ ጥርዓን ክትጽሕፍ ክንሕግዘካን ንስኻ ድማ ክትፍርመሉን ኢኻ። ድሕሪ እዚ ነቲ ዝምልከቶ ክፍሊ ዕዮ ከተማ ሴያትል ብዛዕባ እቲ ጥርዓን ክነፍልጥ ኢና።

እንተደኣ እቲ ጉዳይ ን ስራሕቲ ህንጸት፣ ጽገና፣ ዕቃባ ኩነታት መንገዲታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ልዑል ፍሰት ትራፊክ ዘተኣናግዱ መንገዲታት/ሃይወያት፣ ወይ ድልድላትን ቦያታትን (tunnels) ዝምልከት ኮይኑ፣ እዚ ብ ፌደራል ምምሕዳር ሃይወይ (Federal Highway Administration) እዩ ክግምገም።

ስጉምቲ 4፡ ኣቐዲምካ ክፍታሕ ምግባር

ንስኻን እቲ ክፍሊ ዕዮ ከተማ ሴያትልን ነቲ ጥርዓን ብኣጋኡ ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል መስርሕ ኣፈታትሓ ጸገም ክትሳተፉ ዕድል ከወሃበኩም እዩ። ኣቐዲምካ ዝግበር መስርሕ ኣፈታትሓ ጸገም ካብ ኩሎም ኣካላት ወለንታዊ ተሳትፎ ዝደሊ እዩ።

ስጉምቲ 5፡ ምርመራ  

እንተደኣ እቲ ኣቐዲምካ ዝግበር መስርሕ ምፍታሕ ጸገም ዘይሰርሐ ኮይኑ፣ ሓደ መርማሪ ጉዳይ ሓበሬታ ክእክብ፣ ቃለ መሕተታት ከካይድን፣ ነቶም ዝቐረቡሉ ሓቅታት ናይ እቲ ጥርዓን ካብ ዝቐረበሉ ዕለት ኣትሒዘን ኣብ ዘለዋ 100 መዓልቲታት ክምርምርን እዩ።

ስጉምቲ 5፡ ውሳነ  

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሲያትል (SOCR) ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዲሽተ) ጥሕሰት ዘርኢ እኹል መረዳእታ ምህላውን ዘይምህላዉን ከረጋግጽ እዩ።

ንስራሕቲ ህንጸት፣ ጽገና፣ ዕቃበ መንገዲታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ልዑል ፍሰት ትራፊክ ዘተኣናግዱ መንገዲታት/ሃይወያት፣ ወይ ድልድላትን ገለርያታትን ዝምልከቱ ስራሕቲ መርመራታት ብ ፌደራል ምምሕዳር ሃይወይ (Federal Highway Administration) እዮም ክግምገሙ። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ነቲ ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዲሽተ) ዝምልከት ጥርዓንካ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ ዕዮ መጓዓዚያ ዩ ኤስ (U.S. Department of Transportation)፣ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ፌደራል ምምሕዳር ትራንዚት (Federal Transit Administration's Office for Civil Rights) ክተቕርብ ትኽእለሉ ኣማራጺ እውን ኣለካ እዩ።

እንታይ ኢና ንሰርሕ 

ከተማ ሴያትል ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ተቕርብ፡ 

ማዕረ ተበጻሕነት ኣብ ኩለን ፕሮግራማት፣ ኣገልግሎታትን፣ ውዑላትን ኣድልዎ ከይህሉ ምክልኻል። 

ናይ ስንክልና ተበጻሕነት እቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ፕሮግራማትና፣ ኣገልግሎታትና፣ ከምኡድማ ነካይዶም ንጥፈታትን ክሳተፉ ከምዝኽእልኩን ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ምርግጋጽ። 

ናይ ቋንቋ ተበጻሕነት በቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ክቐርበልካ ምግባር። 

ማዕርነት ውዑላት ምስ'ተን ብደቂ ኣንስትዮን ብንኡሳን ሕብረተሰባትን ዝውነና ንግዳዊ ትካላት (women and minority-owned businesses (WMBE)) ዘሎ ስራሕቲን ውዕልን ዕድጊትን ክውስኽ ምግባር። 

ማዕርነት መጓዓዚያ ብመንጽር ዓሌታዊ መበቆል ብማዕርነት ዝቐርብን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን ናይ መጓዓዚያ ስርዓት ንምህናጽ ምስ ማሕበረሰባት ብሓባር ምስራሕ።

Civil Rights

Sign Up for Latest Updates

Subscribe

The Seattle Office for Civil Rights (SOCR) works to advance civil rights and end barriers to equity. We enforce laws against illegal discrimination in employment, housing, public places, and contracting within Seattle.