Tigrinya/ ትግርኛ
ኣብ ምርጫ ሲያትል ድምጽኻ ክስማዕ ግበር
መደብ ደሞክራሲ ቫውቸር ንተቐማጦ ሲያትል ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚግበር ምርጫ ንኺሳተፉ ድጋፍ ዝህብን ምንጪ ገንዘብ ብምቕራብ ድማ ነቶም ንቤት ጽሕፈት ኣብ ምውድዳር ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ዝንኪ እዩ።
ደሞክራሲ ቫውቸር እንታይ እዩ ?
ከተማ ሲያትል ንተቐማጦ ደሞክራሲ ቫውቸር ተቕርብ እያ። ናይ ዴሞክራሲ ቫውቸራት ተቐማጦ ሲያትል ነቲ ኣብ'ቲ ከባቢ ዚግበር ወፈራታት ወፈያ ንምግባር ዚጥቀሙሉ ነፍሲ ወከፎም 25 ዶላር ኣመሪካ ዝዋጋኦም ምስክር ወረቐታት እዮም።
ኣየኖት ሕጹያት ተወዳደርቲ እዮም ደሞክራሲ ቫውቸር ኪቕበሉ ዚኽእሉ?
እዚ ፕሮግራም እዚ ንሕጹያት ከም ኣማራጺ ኮይኑ ዝቐረበ እዩ። ኣብ'ቲ ፕሮግራም ዝሳተፉ ሕጹያት ተወዳደርቲ ነቶም ቫውቸራትካ ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም። ደሞክራስያዊ ቫውቸራት ነቶም ን ቤት ምኽሪ ከተማ፣ ናይ ከተማ ጠበቓ፣ ወይ ከንቲባ ሲያትል ዝወዳደሩ ሕጹያት ክውፈዩ ዝኽእሉ እዮም።
እቲ ዚቕጽል ኣብ ከተማ ሲያትል ዚግበር ምርጫ መዓስ እዩ?
እቲ ቐጺሉ ኣብ ከተማ ሲያትል ዝግበር ምርጫ ኣብ 2023 እዩ ክግበር። ዲሞክራሲ ቫውቸራት ካብ 21 ለካቲት 2023 ክሳዕ 30 ሕዳር 2023 ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ደሞክራሲ ቫውቸራት ክትረክብ ትኽእል እንተደኣ፦
- ተቐማጢ ሲያትል ኮይንካ፣
- እንተወሓደ ዕድሜኻ 18 ዓመት እንተኾይኑ፣ ከምኡ'ውን
- ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዜጋ ኮይንካ፣ ብሄራዊ መበቆልካ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኾይኑ፣ ወይ ድማ ሕጋዊ ቀዋሚ ነባሪ (ግሪን ካርድ ዘለካ) ኮይንካ።
ምዝጉብ መራጺ እንተኾይንካ፣ ብኡንብኡ ዲሞክራሲ ቫውቸራት ክትቅበል ኢኻ።
ብዛዕባ እቶም ሕጹያት ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል ?
ብዛዕባ እቶም ን ቤት ጽሕፈት ዚወዳደሩ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንምፍላጥ ነቲ ሌላ ምስ ሕጹያት ዝብል ገጽ ተወከስ።
ተሳታፊ ሕጹይ ንምርካብኣብ ገጽ ተሳተፍቲ ሕጹያት ተወከስ
ሕቶታት? ብኽብረትካ ናብ (206) 727-8855 ደውል (ናይ ቋንቋ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ)።
ነዚ ናውቲ እዚ ኣብ ማሕበረሰብካ ኽትጥቀመሉ ክተውርዶ/ዳዉንሎድ ክትገብሮ ወይ ድማ ፕሪንት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።