ናይ ሃልኪ ግልጋሎት ክፍሊቶም ይቐንሱ

ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ከተማ ሲያትል (Seattle City Light፣ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ) ከምኡ’ውን ግልጋሎታት ህዝቢ ሲያትል (Seattle Public Utilities፣ ግልጋሎታት ማይ፣ ፈሳስን ጉሓፍን) ናይ ሃልኪ ክፍሊቶም ንክቆፃፀሩ ዝሕግዙ ፕሮግራማት የቕርቡ።

ነዞም ዝስዕቡ ፕሮግራማት ብቑዕ ክኾኑ ይኽእሉ፦

  • ቕናስ ፕሮግራም ግልጋሎታት ሃልኪ (Utility Discount Program)፦ በብወርሑ ካብ 50-60% ዝኸውን ቕናስ ክፍሊት ግልጋሎታት ሃልኪ
  • ሓገዝ ክፍሊት ሒሳብ፦
    • ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ከተማ ሲያትል (Seattle City Light)፦ ንኤሌክትሪክ ክፍሊት በብዓመቱ ካብ $250 ክሳብ $750 ወይ ድማ ካብዚ ንላዕሊ
    • ግልጋሎታት ህዝቢ ሲያትል (Seattle Public Utilities)፦ ንማይ፣ ፈሳስን ጉሓፍን ክፍሊት በብዓመቱ $500 ወይ ድማ ካብዚ ንላዕሊ

ሓገዝ ግልጋሎት ሃልኪ ንምርካብ ብቑዕ ምዃኖም የረጋግፁ።

ዘለዎም ተረፍ ሒሳብ ንምኽፋል ሓገዝ ይርከቡ

ትልሚ ክፍሊት የዳልዉ

ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ከተማ ሲያትል (Seattle City Light)ግልጋሎታት ህዝቢ ሲያትል (Seattle Public Utilities) ን ሒሳቦም ንምኽፋል ተወሳኺ ግዘ ንክረኽቡ ዘኽእል ትልሚታት ክፍሊት የቕርቡ።

ግልጋሎቶም ክቋረፅ ከምዝኾነ ዘፍልጥ መፍለጢ በፂሕዎም ዶ?

ብ(206) 684‑3000 ይደውሉልና (ካብ ሶኑይ – ዓርቢ፣ ካብ 7:30 ኤ.ኤም – 6 ፒ.ኤም)።

ግልጋሎት ትርጉም ብዘይ ዝኾነ ወፃኢ ነቕርብ።

ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ከተማ ሲያትል (Seattle City Light)ግልጋሎታት ህዝቢ ሲያትል (Seattle Public Utilities) ን ሒሳቦም ንምኽፋል ተወሳኺ ግዘ ንክረኽቡ ዘኽእል ትልሚታት ክፍሊት የቕርቡ።

  • ብሽሞም ዝተመዝገበ ኣካውንት ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ከተማ ሲያትል (Seattle City Light) ወይ ድማ ግልጋሎታት ህዝቢ ሲያትል (Seattle Public Utilities) ይሃልዎም
  • እቲ ግልጋሎት ንምርካብ ዝጥቀምዎ ኣድራሻ ናይ መንበሪ ገዛ ክኸውን ኣለዎ (ተጠቀምቲ ግልጋሎት ንግዲ ብቑዕ ኣይኮኑን)
  • ጠቕላላ ኣታዊ ስድራኦም ኣብቲ ፕሮግራም ዝተወሰኑ ረቛሒታት ውሽጢ ክኸውን ኣለዎ

ትርጉማት ኣታዊ

  • ኣታዊ ስድራቤት (ቅድሚ ግብሪ)፦ ኣብ ገዝኦም ውሽጢ ዝነብሩ ኩሎም ሰባት ቅድሚ ግብሪ ዝረኽብዎ ጠቕላላ ኣታዊ።
  • በዝሒ ኣባላት ስድራቤት፦ ምስ ባዕሎም ዝነብሩ ኩሎም ሰባት (ኣባላት ስድራ፣ ሓቢሮሞም ዝነብሩ ሰባትን ካልኦትን)፣ ርክብ ይሃልዎም ኣይሃልዎም።

መምርሒታት ኣታዊ 2026

ቕናስ ፕሮግራም ግልጋሎት ሃልኪ

ንኤሌክትሪክን ማይን ዝግበሩ ክፍሊታት ቀፃልነት ዘለዎ ወርሓዊ ቕናስ።

በዝሒ ኣባላት ስድራቤት ወርሓዊ ኣታዊ (ቅድሚ ግብሪ) ዓመታዊ ኣታዊ (ቅድሚ ግብሪ)
1 $4,269 $51,228
2 $5,582 $66,984
3 $6,895 $82,740
4 $8,209 $98,508
5 $9,522 $114,264
6 $10,836 $130,032
7 $11,082 $132,984
8 $11,328 $135,936
9 $11,575 $138,900
10 $11,821 $141,852
ንሕድሕድ ተወሳኺ ሰብ +$247 +$2,964

ፕሮግራም ክፍሊት ሓገዝ ህፁፅ እዋንን ሓገዝ ህፁፅ እዋንን (Emergency Bill Assistance and Emergency Assistance Program)

ንናይ ኤሌክትሪክን ማይን ክፍሊቶም ሓገዝ ይርከቡ።

በዝሒ ኣባላት ስድራቤት ወርሓዊ ኣታዊ (ቅድሚ ግብሪ) ዓመታዊ ኣታዊ (ቅድሚ ግብሪ)
1 $4,878 $58,536
2 $6,379 $76,548
3 $7,881 $94,572
4 $9,382 $112,584
5 $10,883 $130,596
6 $12,384 $148,608
7 $12,665 $151,980
8 $12,947 $155,364
9 $13,228 $158,736
10 $13,509 $162,108
ንሕድሕድ ተወሳኺ ሰብ +$281 +$3,372

ሼር ፕሮጀክት (Project Share)

ንኤሌክትሪክ ክፍሊት ዝግበር ተወሳኺ ሓገዝ።

በዝሒ ኣባላት ስድራቤት ወርሓዊ ኣታዊ (ቅድሚ ግብሪ) ዓመታዊ ኣታዊ (ቅድሚ ግብሪ)
1 $7,680 $92,160
2 $8,784 $105,408
3 $9,876 $118,512
4 $10,960 $131,520
5 $11,840 $142,080
6 $12,720 $152,640
7 $13,596 $163,152
8 $14,484 $173,808
9 $15,348 $184,176
10 $16,225 $194,700
ንሕድሕድ ተወሳኺ ሰብ +$875 +$10,500

ረቛሒታት ኣታዊ በብዓመቱ ይመሓየሹ።

ብቑዕ ድዮም? ሓገዝ ንግልጋሎት ሃልኪ ሕዚ የመልክቱ

ሓደ መመልከቲ ጥራሕ ብምምላእ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ምምዝጋብ ይኽእሉ።

ሓበሬታ ኣካውንቶም የረጋግፁ

  • ሽሞም ኣብቲ ሒሳብ ግልጋሎት ሃልኪ (Bill) ምህላዉ የረጋግፁ። እንተዘይኮይኑ፣ በዓል ዋና ናይቲ ኣካውንት ንከመልክት ይሕተቱ።
  • ቁፅሪ ኣካውንቶም ይርከቡ፦

ሰነዳቶም የዳልዉ

  • ኣብ ገዝኦም ውሽጢ ንዝነብሩ 18 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊ ንዝኾኑ ኩሎም ዓበይቲ መለለዪ ፎቶ
  • 18 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊ ንዝኾኑ ኩሎም ዓበይቲ ሰነዳት ኣታዊ
    • ተጠቃሚ ሓገዝ ስናፕ (SNAP) ድዮም? ሽሞም ኣብ ሲቲ ላይት (City Light) ሒሳብ መሕተቲ ዝርከብ እንተኾይኑን ተጠቃሚ ስናፕ (SNAP) እንተኾይኖም፣ ናይ ዲ.ኤስ.ኤች.ኤስ (DSHS) ናይ ድጋፍ ደብዳቤኦም ጥራሕ ምቕራብ እኹል እዩ። ንምምልካት ካልኦት ሰነዳት ኣታዊ ኣየድልዩን።

ሰነዳቶም በዞም ዝስዕቡ ቦታታት ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ስካን ምግባር፣ ኮፒ ምብፃሕ፣ ምሕታም ወይ ድማ ብፋክስ ምልኣኽ ይኽእሉ፦

ምስ መመልከቲኦም፣ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ንዝነብሩ 18 ዓመትን ካብዚ ንላዕሊን ንዝኾኑ ኩሎም ዓበይቲ መለለዪ ፎቶ የቕርቡ።

ተቐባልነት ዘለዎም መለለዪ ፎቶ (ID) ዓይነታት፦

  • ናይ ክልል መግንሒ ፍቓድ ወይ ድማ መለለዪ መንነት
  • ፓስፖርት
  • ወታደራዊ መለለዪ ኣሜሪካ
  • መለለዪ ዓሌታ (ትራይባል)
  • ካርዲ ቀዋሚ ነባርነት

ናይ’ቲ መለለዪ ቅድሚት ገፅ ወይ ድማ ናይ’ቲ ፓስፖርት ፎቶ ገፅ ቅዳሕ ጥራሕ ምቕራብ እኹል እዩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 1 ዓመት ግዚኡ ዝሓለፎም መለለዪታት ንቕበል ኢና።