NSF ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

English | 繁體中文 | af Soomaali | Español | Tiếng Việt | በአማርኛ | ትግርኛ

ብኽብረትኩም ተዛመድቲ መረዳእታት ንምረካብ ዝግበሩን (Dos) ዘይግበሩ (Don’ts) ዶክሜንትና (ተተሓሒዙን ኣብ መርበብ ሓበሬታ እው ይርከብ) ረኣዩ፡፡

ኣዝዮም ዝኸበሩ መደባትን ከቢድ ዝኾነ ናይ ፍቓድ ከይዲ ዝሓቱ መደባት ፅቡቓት ተወዳደርቲ ኣይኮኑን፡፡ እቲ መደብ ኣብ መንገዲ ፅርግያ ወይ ናይ እግረኛ መንገዲ ክርከብ ይግባእ፡፡ ዝተፈላለዩ መስመራት ፅርግያ ዝልውጡ ወይ ናይ ትራፊክ ፍሰት ዝልውጡ (ደው በል ወይ ናይ ትራፊክ ምልክታት) መደባት ብ SDOT ክግምገሙ ይግባእ፡፡

ኣብ እዋን ሓሳባዊ ዲዛይን፡ SDOT ምስ ኣመልካቲ ብምምኻር እቲ ዝተሓሰበ መደብ ከመሓይ ሹ ይኽእሉ እዮም፡፡ ንኣብነት፡ እቲ ኦርጅናል መደብ ኣብ ክልቲኡ መንገዲ ፅርግያ ናይ እግሪ መንገዲ ምህናፅ ክኸውን ይኽእል፡ እንተኾነ ግና ወጻኢ ንምቕናስን ፈንድ ንምርካብ ቀሊል ንኽገብሮ ብሓደ ገፅ ጥራሕ መንገዲ እግሪ ክህነፅ ይኽእል እዩ፡፡

እወ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ዝኣተው መደባት ብቑዓት እዮም፡ እንተኾነ ግና ሓድሽ ናይ መደብ መመልከቲ ክተእትው ይግባእ፡፡

ኣይፋል፡፡ እንተኾነ ግና መደባት ብመሰረት ድልየት እቲ ኸባቢ ብናይ ኮም ቀዳምነት ምሃብ ውፅኢት ወሃቦ፡፡ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመመልከቲኹም ድጋፍ ምህናፅ ፅቡቕ ሓሳብ እዩ እዚ ድማ ምስ ጎሮቦታት ምዝርራብ፣ ኣብ ኮማዊ ኣኼባትት ምቕራብን ምስ ከባብያዊ ጉጅለታት ምዝርራብ የካትት፡፡

ናይቲ ወረዳ ቤት ምኽሪ ኣብዚ ሳይክል ዝገብሮ ተሳትፎ ይቕንስን መደባት ኣብ ግምት ክኣትው እጃም ኣይክህልዎን፡፡ ኣዝኻ ንፁርን ፍትሓው ንምግባር፡ መደብና ብመሰረት ድልየት ኮም ናይ ኮም ውፅኢት ሜላ መሰረት ብምግባር ቀዳምነት ይህብ፡፡ ካብ ሕዚ ንድሓር SDOT ካብ ሕድሕድ ቤት ምኽሪ ወረዳ መደባት ብምቕባል ብህዝቢ ድምፂ ዝወሃበሉ ናይ ሓሳብ ዲዛይን ምስ ኣመልከቲ ኮይኑ የመዕብል፡፡ ብቕፃል እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ወረድኡ ድምፂ ይህብ፣ ብሓገዝ ሙቭ ሲያትል ሌቪ ኦቨርሳይት ኮሚቴ ካብ 5 ክሳብ 10 መደባት ይምረፁ፡፡ እዚ መረፃ ኣብ ማዕረ ክፍፍልን ፈንዲንግ ትኹረት ይገብር፡፡ እቶም መደባት ኣብ 2020ን 2021 ዲዛይን ይግበሩን ይህነፁ፡፡

ኣብዚ ዓመት ኣብ ኦንላይንን ብኣካልን ክተመልክቱ ትኽእሉ! ሰራሕተኛታት SDOT ዝሕግዝኹምን ተሳትፎ ኮም ዘዕብይሉ ብዙሓት ናይ ኣውትሪች መደባት ክሳለጡ እዮም፡፡.

  • ኣብ ኣውትሪች መደባትና ምስታፍ
  • ንመደብኩም ናይ ከባቢ ደገፍ ምርካብን ምምልካት
  • ኣብ ኮማዊ ኣኼባ ምስታፍን ዘገድስኩም መደብ ቀዳምነት ምሃብ
  • ንኽምረጽን ንኽህነፅን ንናይ መወዳእታ መደብ ድምፂ ሃቡ

ብዚ ዝስዕብ ናይ NSF መርበብ ሓበሬታ ረኣዩ: www.seattle.gov/nsf ኣብ ከባቢኹም ውሽጢ ኣብ ግምት ዝኣትው መደባት ረኣዩ፡፡

እንተድኣ ኣመልኪትኩም መደብኩም ቀዳምነት እንተድኣ ተዋሂብዎ ክንሕብረልኩም ኢና፡፡

ናይ ሙቭ ሲያትል ኦቨርሳይት ኮሚቴ እቲ ዝለዓለ ትኹረት ዝተውሃቦን ኣብ መላእ እቲ ከተማ ብማዕረ ክፍፍል ፈንድን መደብን ቀዳምነት ይህብ፡፡

ኣብዚ ናይ NSF ሳይክል ቁፅሪ ዝምረፁ መደባት ሕድሕድ መደብ ብዘለዎ ዋጋ ዝውሰን ይኸውን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሕድሕድ ሳይክል 10 ክሳዕ 12 መደባት ተመዊሎም እዮም፡፡ ናይ 2019 መመልከቲ እዋን ኣብ 9 ዓመት ሌቪ ሙቭ ውሽጢ ኣብ ካልኣይ ሰለስተ ናይ ፈንድ ሳይክል እዩ፡፡

መደባት ኮም ቀዳምነት ብዝህቦን ብድምፅን ይምረፅ፡፡ ናይ ኮም ኣኼባታት ዝካየደሉ ዕለት፣ ከባቢን ናይ ኦንላይ ድምፂ መውሃቢ ከባቢን ናይ ኦንላይን ድምፂ መውሃቢ መዓዝ ከም ዝኽፈት ክሳዕ ሕጂ ኣይተወሰነን፡ እንተኾነ ግና ናይ መመልከቲ እዋን ኣብ 2018 ምስ ተዛዘመ ክነፍልጥ ኢና፡፡

መደባት ኮም ቀዳምነት ብዝህቦን ብድምፅን ይምረፅ፡፡ ናይ ኮም ኣኼባታት ዝካየደሉ ዕለት፣ ከባቢን ናይ ኦንላይ ድምፂ መውሃቢ ከባቢን ናይ ኦንላይን ድምፂ መውሃቢ መዓዝ ከም ዝኽፈት ክሳዕ ሕጂ ኣይተወሰነን፡ እንተኾነ ግና ናይ መመልከቲ እዋን ኣብ 2018 ምስ ተዛዘመ ክነፍልጥ ኢና፡፡

መመልከቲ ንምእታው ዘድሊ ከባብን እቲ ፀገም ምቕማጥ ጥራሕ እዩ፡፡ እንተኾነ ግና፡ ኮማት መረዳእታ ዘለዎ ወይ ሓሳባዊ ዲዛይነ ዘለዎ መደብ ክመርፁ ይኽእሉ፡፡ ብተመሳሳሊ፣ ንመደባት ናይ ደገፍ ደብዳበ ኣየድልን ፡ እንተኾነ ግና እንተድኣ ሃልዩ ንኮም ድጋፍ ቦርድ ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ሓሳብ ክትህቡ እንተድኣ ደሊኹም ኣብ ከባቢኹም እንሃንፆ ናይ ምምሕያሽ መለክዒ ዝሓዘ ናይ SDOT ድሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ ቤት ትምህርቲ መንገዲ መዘከርታ ረኣዩ፡፡

እቲ መደብ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳዕ ዲዛይን ዝግበርን ዝህነፅን ክንደይ ከም ዘውጽእ ምፍላጥ ከቢድ እዩ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ፈለማ ናይ ትልሚ ደረጃ እንከሎ ቅሩብ ትርፊ ምሓዝ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብኽብረትኩም ኣስተብህሊ እዞም ወፃእታት ዲዛይን፣ ህንፀትን ምሰስቲ ፕሮጀክት ዝተተሓሓዘ ኩሉ ወፃኢ የካትት፡፡

  • $10,000 - $12,000 መደገፍ ኢድ ሓዊሱ ቀጥ ዝበለ መደያየቢ
  • $10,000 - $20,000 ሕድህድ መሳገሪ ምልክት
  • $15,000 - $25,000 ንሕድሕድ ADA ከርብ ራምፕ
  • $60,000 - $75,000 ብሕድሕድ ከርብ ኣምፑል (ከርብ ናብ መንገዲ ክሰፍሕ ከሎ)
  • $200,000 - $350,000 ንሕድሕድ ሓድሽ ምልክት ትራፊክ
  • $350,000 - $500,000 ንሕድሕድ ብሎክ ሓድሽ መንገዲ እግሪ (ከርብ፣ መሽራብን ምፅባቕ መልክአ ምድሪ የካትት)

ብኣጠቓላሊ፡እዞም ዝስዕቦ መደባት ካብ $100,000 ዝተሓተ የውፅኡን ብመደብ ድምፅኹም ምርጫኹም Your Voice Your Choice (YVYC) ግቡእ ፈንድ ወሃቦም:

  • ካብ ኣርባዕተ ዝነኣሱ ከርብ ራምፕ
  • ናይ ሓደ መዕፀፊ ኣምል
  • ንእሽተይ መንገዲ እግሪ ወይ መስተኻኸሊ መደብ

Crosswalk before

After crosswalk

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.