Tigrigna / ትግርኛ

ተልእኾ ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ስያትል ንደረጃታት ዕዮ ብዝረቐቐ ናይ ማሕበረ-ሰብን ንግድን ምትሕግጋዝ፣ ብስትራተጂካዊ ኣተገባብራን መሃዚ መምርሒ ብምምዕባልን ንዓሌትን ማሕበራዊ ፍትሕን ቆላሕታ ከም ዝገብር ጌርካ ንምምሕያሽ እዩ።

ሕጋጋት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ስያትል 2016

2016 Seattle Labor Standards Ordinances

እዘን ሕጋጋት ናይቶም ሰራሕተኛታት ናይ ኢሚግረሽን ኩነታት ይኹን ናይቲ ዘስርሖም ቦታ ብዘየገድስ ንኩሎም ኣብ ክሊ ከተማ ስያትል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ይሽፍና።

ዝኽፈሎ ናይ ሕማምን ድሕነትን ግዜ (SMC 14.16)

Paid Sick and Safe Time (SMC 14.16)

ንሕክምና ወይ ድሕነት ኩነታት ዝጥቀመሉ ግዜ ክኽፈል ይጠልብv

ርትዓዊ ዕድላት ስራሕ ምርካብ (SMC 14.17)

Fair Chance Employment (SMC 14.17)

ይ ገበን ክሲን ታሪኽ ማእሰርትን ኣጠቓቕማ ይድርት

ዝተሓተ ደሞዝ (SMC 14.19)

Minimum Wage (SMC 14.19)

ንሰራሕተኛታት ዝተሓተ ደሞዝ ወሰን ይገብር

ቅጥፈት ደሞዝ (SMC 14.20)

Wage Theft (SMC 14.20)

ናይ ደሞዝ ቅጥፈት ከየጋጥም መከላኸሊ ይገብር

ናይ ስያትል ምምሕዳራዊ ናይ ደሞዝ ስርቂ ሕጊ (SMC 14.20)

Seattle Administrative Wage Theft Ordinance (SMC 14.20)

ናይ ስያትል ሰራሕተኛታት ካብ ስርቂ ደሞዝ ዝሕሉ ተወሳኺ መከላኸሊ ኣሎዎም።

ካብ 1 ሚያዝያ 2015 ጀሚሩ እቲ ሓዲሽ ናይ ደሞዝ ስርቂ ሕጊ ኣብ ስያትል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ንዘሎዉዎም ኣስራሕቲ ኩሉ’ቲ ክረኽቡዎ ዝግባእ ደሞዝን መቝሽሽን ክወሃቦም፣ ኣብ ዝቝጸሩሉ፡ ስራሕ ኣብ ዝቕየረሉን ነፍሲ ወከፍ ደሞዝን መቕሽሽን ዝኽፈለሉን እዋን ናይ ስራሕ ሓበሬታ ክህቡዎም፣ ከምኡ’ውን ንስርቂ ደሞዝ ዝምልከት ናይ ሰራሕተኛ መሰል ዝሕብር ጽሑፍ ክህቡዎም ይእዝዝ።

እቲ ጽሑፍ ሓበሬታ ብቋንቋታት እንግሊዝን ስፓኒሽን ካልእ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ሰራሕተኛታት ብልማድ ዝዛረቡሎም ቋንቋታትን ክቐርብ ኣሎዎ።

ብተወሳኺ እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ዝርከብ ሓዲሽ ክፍሊ ናይ ምምሕዳር ከተማ ቤት ጽሕፈት ደራጃታት ዕዮ ደሞዝን መቝሽሽን ናይ ዘይተኸፍሎም ምምሕዳራዊ መጽናዕቲ ክገብር ይፈቅድ።

ስርቂ ደሞዝ ህጂውን ብመሰረት SMC 12A.08.060 ከም ገበን ይቝጸር።

መደብ ስራሕ ሰራሕተኛታት

ምልክታ ተወሰኽቲ ሰዓታት



Seattle Office of Labor Standards (ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል) ምልክታ ናይ ምቝጻር ሓበሬታ

ኣስራሕቲ ንነፍሲወከፍ ኣብ ሲያትል ዝሰርሕ ሰራሕተኛ፡ ነዚ ዝስዕብ ቅጥዕታት ኣማሊኦም ጽሑፋዊ ናይ ስራሕ ሓበሬታ ክህብዎም ኣለዎም፥ (1) ኣብ ግዜ ምቑጻር
(2) ቅድሚ ዝኾነ ናይ ስራሕ ሓበሬታ ምቅይያሩ (ብዘይካ ናይ ኣካያዲ ስራሕ ወይ ድማ ኣላዪ ስራሕ መወከሲ ሓበሬታ)። እቲ ምልክታ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛን በቲ
ቀዳማይ ቋንቋ ናይቶም ነዚ ሓበሬታ ዝቕበሉ ዘሎ ሰራሕተኛታት ክቐርብ ኣለዎ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ን Seattle Office of Labor Standards(ቤት
ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል)ብቑጽሪ (206) 256-5297 ወይ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ www.seattle.gov/laborstandards ክትውከሱ ትኽእሉ
ኢኹም

ሕጋጋት 2018 ናይ ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ስያትል